VOA: ጉባኤ ኢንቨስትመንት ኤርትራ 2012 ምስ ዶ/ር ወልዳይ ፍጡር

Dr. Woldai Futur’s Interview with VOA on Eritrea’s First Investment Conference

By VOA Tigrinya Service,

ኤርትራ ኣብ ቀረባ ግዜ  ኣብ ከተማ አስመራ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ኣካይዳ ኔራ።  ዕላማ’ቲ ጉባኤ  ኤርትራውያን በብዓቅሞም ኣብ ዝኽእልዎ  ዝተፈላለየ  ፀፍሒ ኢኮኖሚ’ታ ሃገር  ገንዘቦም አዋፊሮም ኣብ ልምዓትን ዕብየትን ሃገሮም ብምክፋል ንሳቶም’ውን ተጠቀምቲ ንክኾኑ’ዩ ክብሉ ኣብ ቤት-ፅሕፈት ፕረዚደንት  ኤርትራ ሚኒስተር ማእኸል ወፍርን ልምዓትን ዝኾኑ ዶ/ር ወልዳይ ፍጡር ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ገሊፆም።

ኤርትራ  በቲ ንዝሓለፈ 20-ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ፅላታት ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ኢንቨስትመንት ኢኮኖሚአ  ዕብየት የርኢ’ሎ ዝበሉ ዶ/ር ወልዳይ ትኹረት ኤርትራ ኣብ  ልምዓት ሰብን ምዕሩይ ዕበትን’ዩ ኢሎም።

ኤርትራ ምስ ዓለም-ለኽ ማዕኸና ገንዘብ (IMF) ሽርክና አለዋ: ኣባል’ውን  እያ ዝበሉ  ዶ/ር ወልዳይ:  ካብአቶም ዝርከብ ፍልፍል ግን ምስቲ  ሸቶታትናን አካይዳናን ዝሰማማዕ  ምስ ዝኸውንን ኣብኡ ምሳና ንምስራሕ ክሳብ ዝተሰማምዑ’ዩ ክብሉ አብሪሆም።

ቀዳማይ ክፍሊ’ቲ  ቃለ-መሕትት
ካልአይ ክፍሊ’ቲ  ቃለ-መሕትት

If the above audio link is broken, you still can listen the interviews by clicking here: PART-1  and   PART -2