Tag Archives: Speedboats

Revisiting the Last Chapter of the Ethiopian Navy (1955 – 1990)

The Battle of Massawa (Operation Fenkil) took place in February 1990 in and around the coastal city of Massawa, Eritrea. This offensive was conducted by both land and sea by the Eritrean People's Liberation Front (EPLF) against the Ethiopian Derg Army. During this battle EPLF used its small fleet of armed speedboats to sink or cripple most Ethiopian navy ships anchored in and around Massawa harbor.
The Battle of Massawa (Operation Fenkil) took place in February 1990 in and around the coastal city of Massawa, Eritrea. This offensive was conducted by both land and sea by the Eritrean People’s Liberation Front (EPLF) against the Ethiopian Derg Army. During this battle EPLF used its small fleet of armed speedboats to sink or cripple most Ethiopian navy ships anchored in and around Massawa harbor.

From ‘ዛዛሚ ምዕራፍ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያ’,

ሰበ-ስልጣንን ኣዘዝትን ሰራዊት ደርግ ነበር፡ ኣብ ኤርትራ ንዝወረዶም ሰፍ ዘይብል ሰባውን ንዋታውን ክሳራታት፡ ብዓቢኡ ኸኣ ታሪኻዊ ስዕረት ዝምልከት ዕረ እናጠዓሞም ክእመንሉን ብመልክዕ መጽሓፍ ከስፍርዎን ይርኣዩ ኢዮም። “ገማግም ባሕርን ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያን” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብናይ ቀደም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያ ነበር ዝተጻሕፈት ኢያ። ኣብ 2006 ኣቢላ ዝተጻሕፈትን 762 ገጻት ዘለዋን ከኣ እያ። ኣብ መቕድምን መእተውን ከም እትሕብሮ፡ ሓፈሻዊ ዕላምኣ “ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያ ነበር” ካብ ኣመሰራርትኡ፡ ምዕባለኡ፡ ክሳብ’ቲ ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ፍጹም ዝተደምሰሰሉ ንዝነበሮ ተራን ኣስተዋጽኦን ንምዝንታው ኢዩ።

ኣብታ ወደባዊት ከተማ፡ ነቲ ብኣጋርን ሜካናይዝድ ኣሃዱታትን ዝተኻየደ መሪር ውግኣትን ህዝባዊ ሰራዊት ንዝፈጸሞ ቅያን’ውን ከይጸወየትሉ ኣይሓለፈትን። ኣብ ገለ ሸነኹ’ውን፡ ነቲ መሪር ስዕረት ብስነ-ጽሑፋዊ ሓይሊ፡ ብቓላትን ሓረጋትን ክጠዓዓም፡ ናብ ረብሓኻ  ክጥምዘዝ’ውን ዘይተፈተነ ኣይኮነን። ገሊኡ “ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ” ዝዓይነቱ መመኽነይታ’ውን ከየስሓቐካ ዘይሓልፍን ከም ዋዛ ዝውሰድን ኢዩ። ብዝኾነ እታ መጽሓፍ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ምዕራፋት ዝተኸፋፈለት ኮይና፡ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ገጻታ፡ ንስርሒት ፈንቅል ዝምልከት ዘቕረበቶ ባዕላዊ መግለጺታት ኣለዋ። እዚ ዝስዕብ፡ ጽማቚ ትርጒም ናይቲ “ዛዛሚ ምዕራፍ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጽያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዝሰፈረ ጽሑፍ’ዩ፦ Continue reading Revisiting the Last Chapter of the Ethiopian Navy (1955 – 1990)