Tag Archives: Envoy Biniam Berhe

VOA: ኢጋድ ካብ ኣኼብኡ ንኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣባሪሩ (AUDIO)

Eritrea’s envoy to IGAD, Mr. Biniam Berhe, was harassed, verbally abused, and threatened by Ethiopia’s security officials in breach of his diplomatic immunity

VOA Tigrinya Program,

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ዝተሳለጠ ኣኼባ ምንስቲራት ኣባል ሃገራት ኢጋድ፣ንወካሊ ኤርትራ ካብ‘ቲ ኣኼባ ድሕሪ ምውፃእ ቀፂሉ፣ንጉዳይ ሶማልያን ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃን መኺሩ ሓባራዊ መግለፂ ብምውፃእ ተዛዚሙ።በትረ ስልጣን ንዋና ፀሓፊ ኢጋድ ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ መደብ ኣሎ። ቅድሚ 15 ዓመታት ብሸውዓተ ሃገራት ዝተመስረተ በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኤርትራ ብድልየታ ኣባልነታ ስለዘቋረፀት ሽዱሽተ ሃገራት ማለት ጂቡቲ፣ኢትዮዽያ፣ኬንያ፣ሶኣልያ፣ሱዳንን ኡጋንዳን ሓቊፉ‘ሎ።ደቡብ ሱዳን ንኣባልነት ሕቶ ኣቅሪባ‘ላ።

ኤርትራ ኣብ‘ዚ ቀረባ እቲ ዘደስከለቶ ኣባልነት ኣቋሪፃ ናብ ቦታኣ ክትምለስ ሓቲታ‘ላ።ሴክረተሪ‘ቲ ዞባዊ ውዳበ ማሕቡብ ማዓሊም‘ውን ሰናይ ኢሎም ተቀቢሎም ናብ ኣኼባ መራሕቲ ኣቅሪቦም ከምዘፅድቁዎ ገሊፆም‘ዮም። Continue reading VOA: ኢጋድ ካብ ኣኼብኡ ንኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣባሪሩ (AUDIO)