Tag Archives: Classified Document

ስለያዊ መርበብ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጲያ ጽልዋ ይፈጥር ከምዘሎ ሰበ ስልጣን ኢትዮጲያ ተኣሚኖም

“ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓድሽ ኹናት ንምኽፋት ናይ ህዝቢ ርእይቶ ኣኪብና ኔርና፡ እንተኾነ ዘዋጽእ ኮይኑ ኣይረኽብናዮን” – ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ሓላፊ ብሔራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ
“ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓድሽ ኹናት ንምኽፋት ናይ ህዝቢ ርእይቶ ኣኪብና ኔርና፡ እንተኾነ ዘዋጽእ ኮይኑ ኣይረኽብናዮን” – ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ሓላፊ ብሔራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ

ተስፋ ኒውስ

ብመንግስቲ ኤርትራ እንዳተኸፈሎም ስለያዊ ስርሓት ነነዊሕ እዋን ፈጺሞም ናይ ዝተባህሉን፡ ጉዳዮም ኣብ ዕጹው ቤት ፍርዲ ክርአ ናይ ዝጸንሐ 5ተ ማእከሎትን ታሕተዎትን ወተሃደራዊ ኣባላት ኢትዮጲያ፡ ድሕሪ ምእሳር ዋና ጸሓፊ ናይ ግንቦት 7ተ ውድብ ዝነበረ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ፡ ብትእዛዝ መንግስቲ ጠጠው ክብል ከምዝተወሰነ፡ ኢሳት ንዝረኸቦ ሚስጥራዊ ሰነድ ምርኩዝ ብምግባር ትማሊ ኣብ ዘውጾ ሓበሬታ ገሊጹ።

እዚ ድሕሪ ስነስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ክልተ መዓልታት ድሒሩ ዝጀመረ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ምትሓዝ ኣንዳርጋቸው ደው ክብል ዝተወሰነ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ፡ ነቲ ንኤርትራ ንምኹናንን፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዮም ንዝጸንሑ ኣባላት ተቓወምቲ ንምውንጃልን፡ ምስኡ ተታሓሒዙ ኣብዚ እዋን`ዚ ዝዳሎ ዘሎ ሰነዳትን ናይ ፊልም ዶኪመንተሪን ከም ጭብጢ ንኽቀርብ ተደልዩ ከምዝኾነን እቲ ምንጪ ይጠቕስ።  Continue reading ስለያዊ መርበብ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጲያ ጽልዋ ይፈጥር ከምዘሎ ሰበ ስልጣን ኢትዮጲያ ተኣሚኖም