Tag Archives: America’s Oil War

ኲናት ምእንቲ ነዳዲ

oil-wars
ኲናት ምእንቲ ነዳዲ

ተስፋማርያም ሓጎስ

ለምና ሎሚ ኣብ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኲናት ተሸሚማ ትርከብ ኣላ። እዚ ኲናት እዚ ጠንቁ እንታይ እዩ ? በዓል መን ካብኡ ይረብሑ? በዓል መንከ ይህሰዩን ግዳይ ይኾኑን ክንፈልጦ ዘለና ነገር እዩ ። እታ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ርእሰ ሓያል ዓለምና ኮይና ዝተቐልቀለት ኣሜሪካ ንዓለምናን ኣብ ከርሳ ሓቝፋቶ ዘላ ባህርያዊ ጸጋታት ንምግባት ብምህንጣይን ኣብተን ባህርያዊ ጸጋታት ከም ነዳድን ኡራንየምን ወርቅን ካልኦት ክቡራት ማዕድናት ዘለወን ሃገራት ንምብሓትን ንምምዝማዝን ስርሐይ ኢላ ተተሓሓዘቶ ።

እቲ ብነዳዲ ኣዝዩ ሃብታም ዝኾነ ማእከላይ ምብራቕ ወይ ሃገራት ዓረብ ክሳብ ሕጂ ከም ድላያ ንሳን ሰዓብታን ክምዝምዝኦ ጸኒሐንን ኣለዋን ። ነዚ ምዝመዛ ኣሜሪካን ሰዓብታን ዝተቓወሙ መንግስታት ግብረ ሽበራውያን ዝብል ናይ ቅጽል ስም ኣተጠሚቕካ ምድምሳስ ክሳብ ሕጂ ኣሜሪካን ሰዓብታ ናይ ምዕራብ ሃገራትን ዝኽተልኦ ዘለዋ ኣዕናዊ ስራሕ እዩ።

ኣሜሪካን ሰዓብታን ነቲ ናይ ዓረብ ዓለም ዝበሃል ጭራሽ ንምጥፋእ እዚ ብዒራቕ ዝጀመረ ኣብ ሊብያ ዝቐጸለን ሎሚ ውን ኣብ ሶርያ ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ህያው ምስክር እዩ። ዒራቕ ብዘለዋ ናይ ነዳዲ ጸጋታት ኣዝያ ማዕቢላ ህዝባ ኣብቲ ሕጉስ ህይወት (Luxus life) የሕልፍ ኔሩ። እዚ ግን ንኣሜሪካን ሰዓብታ ናይ ምዕራብ ሃገራትን እሾኽ ኣብ ዓይኒ ስለ ዝኾነ ዓባይ ኣሜሪካ ኣዕናዊ ኣጽዋር ኲናት ኣለዎ ዝብል ስም ኣጠሚቓ ነታ ሃገር የዕንያታ ። እታ ሃገር እንሃለ ኣብ ሃይማኖታዊ ኲናት ተሸሚማ ኣብ ፍጹም ዕንወት ትርከብ።  Continue reading ኲናት ምእንቲ ነዳዲ