
ብ ደበሳይ ነባራይ:
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብድምጺ ራድዮ ኣሜሪካ መደብ ትግርኛ ዝፍኖ : ቃለ መሕተት ምስ ፕረዚደንት ክሌሌ ትግራይ ነበር ኣይተ ገብሩ ኣስራት ( ደመኛ ጸሊኢ ህዝቢ ኤርትራ ) ንጉዳይ ኤርትራ ኣመሌኪቱ ኣብ’ቲ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ዘል መብርሂ ንክህበሉ ተሓቲቱ ምንባሩን፡ ኣብ ቅርሕንትን ጽሌእን : ኣብ ሕልምን ሓሶትን ዝተመርኮሰ ዝሃቦ መሌሲ ዳርጋ ኩላትና ተኸታቲሌናዮ ክንከውን ተስፋ እገብር : ስለዚ ከምቲ ናቱ ዓጀውጀው ዘይኮነ : ኣብ ጭቡጥ መወከሲና ተመርኰሰ ከም ኩለ ኤርትራዊ ብፍቕሪ ሃገሩ ዝሓምም ገለ ክብል ክፍትን እየ።
ትሕዝቶ ጽሑፈይ ከምቲ ኣብ ኣርእስተይ ጠቒሰዮ ዘለኹ፡ ጠንቂ ግጭት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን : ዝሓለፈ መድረኻትን በጺሕዎ ዘል ደረጃን ኮይኑ፡ ኣብ 3 ክፋሌል መቓቒለ ከቕርቦ ክፍትን እየ። እንሆ 1ይ ክፋል ሰናይ ንባብ።