Martyrs’ Day: Remembering Eritrea’s Famous Few

June 20th, Eritrea's Martyrs' Day
The sacrifice of those ‘special few’ is what essentially saved Eritrea from the threat of occupation and invasion. For that, we have unflinching commitment to the unity and sovereignty of the country entrusted by these Martyrs of ours.

BY ALEM FISSHATZION

On Tuesday August 20th. 1940, in London, Sir. Winston Churchill delivered a speech to the House of Commons. The lengthy speech, although in general was a Milestone account of the Second World War situation as far as Britain was concerned, it was in particular a tribute to the ongoing heroic efforts of the Royal Air Force crews who were at the time trying to quell off the German Luftwaffe in the frenetic battle in the skies over England.

The eternally famous Battle of Britain is equally as famous as Churchill’s tribute: “Never in the field of human conflict was so much owed by so many to so few”.



The efforts of those few may very well be what essentially saved Great Britain from the threat of the fascist invasion and occupation under which France and the Benelux Lowlands had already fallen. The heroes of the British RAF of the Second World War will forever fondly be remembered as “The Few”.

Exactly seventy-six years and ten months to the day, Eritreans all over the world will be commemorating their own “Special Few” in this year’s occasion of Eritrean Martyrs’ Day which, as always, falls on June 20th.

On this day every year, regarded as the saddest day in the Eritrean calendar, we Eritreans take time to reflect on our dear loved few who unselfishly gave up the most sacred-of-the-very sacred; their very lives, for the freedom from fascism of all Eritreans; for all posterity.

It is estimated that in the Noble Struggle for Independence that lasted from 1961-1991, the lives of some 65,000 Freedom Fighters and tens of thousands of civilians were lost. An additional 19,000 Freedom Fighters sacrificed their lives while defending the sovereignty of Eritrea during Ethiopia’s renewed attempt to occupy Eritrea in their 1998 – 2000 expedition.

There is no living Eritrean who does not have a relative, relative of a relative, friend or relative of a friend who belongs to the “Special Few”.

As most of us will be mourning and praying for a friend, neighbour, son, daughter, father, mother, uncle, aunt etc… on Martyrs’ Day, some families will be mourning and praying for at least four or five close relatives who paid the ultimate price.

Our neighbours in the Horn of Africa and beyond earned their respective independence through negotiations, and in some cases, minor armed struggle. To us Eritreans Independence will always be synonymous to sacrifice in the dear human lives of our glorious Martyrs.

Although volumes have been written about them, vigils held on their behalf, processions marched and millions of candles lit for them on that day by Eritreans all over the world, we can never sacrifice or pay any price stiffer than they did: their very own dear sacred lives.

Therefore, we will never tire to pray for them to Rest in Perfect Peace for Ever and Ever.

“How long must I take counsel in my soul and have sorrow in my heart all the day?
How long shall my enemy be exalted over me?
Consider and answer me, O Lord my God;
Light up my eyes, lest I sleep the sleep of death,
Lest my enemy say, “I have prevailed over him,”
Lest my foes rejoice because I am shaken.”
(Psalm 13:2-4)

  • ተኪኬ ክብሮም

    ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ካልኦት ህዝብታት ኣብ’ዛ ዓለም ናይ ገዛእ-ርእሱ እጃም ነይሩዎ። ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣብ እጃሙ ናይ ገዛእ-ርእሱ ናጽነት ክህልዎ ግድን እዩ ዝነበረ። ኣብ ክንዲ እጃሙ ክውንን ዝሕደግ፡ ኩለንትናዊ ናጽነቱ ምስ ተገፈፈ ጥራይ ኢዱ ተሪፉ። ናጽነት ኩሉ ነገር ብምዃኑ፡ ኩሉ ነገራቱ ስኢኑ። ናጽነት የለን – ፍትሒ የለን፡ ናጽነት የለን – ሰላም የለን፡ ናጽነት የለን – ሰብኣዊ ክብሪ የለን፡ ናጽነት የለን – ሓርነትን ዕብየትን የለን. . . ኮታ ናጽነት የለን – ህዝቢ የለን፡ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ግርም ገይሩ ፈቲኑዎ። ኣብ ገዛእ ዓድኻ ከም ወዲ-ሰብ ክብሪ ምስ ሰኣንካ፡ ናብ ዘይህዝብኻን ዘይሃገርካን ተሰዲድካ ብዘይክብሪ ካብ ምንባር ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ? ኣብ ገዛእ ዓድኻ፡ ብዘይኣበሳኻ ብጓኖት ካብ ምውራድን ምግፋዕን ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ? ካብ ብዘይዜግነትካ ክትጽዋዕን ብዘይቋንቋኻ ንኽትዛረብ ክትግደድን ዘሕፍር እንታይ ኣሎ? ካብ ምስ ምሉእ መንነትካ፡ ‘መንነት የብልካን’ ክትበሃል ዘጉሂ እንታይ ኣሎ? . . . ? እዚ ውጹዕ ህዝቢ እምበኣር፡ ካብ’ቲ ሰብ ከብሎ ዝኽእል ኩሉ እጃም፡ ዋላ ሓንቲ ከምዘይግበኦ ምስ ኰነ፡ ካብ ሰብ ዘይምዃን ሰብ ምዃን መሪጹ። ካብ ብዘይእጃም ምንባር፡ ምእንቲ እጃም ምቅላስ ወሲኑ። መንገዲን ክብደትን ቃልሲ ንናጽነት ብወዲ-ሰብ ዘይጽወር ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ። እቲ ዝያዳ ዘይጽወር፡ ናጽነት ምስኣን ምዃኑ ስለ ዝተገንዘበ ግን ዘይጽወር ክጸውር ቅሩብ ኰይኑ። ኣዳዕዲዑ እናፈለጦ፡ ንሲኦል ገጢሙዎ። ቃንዛ ስእነት ናጽነት፡ ካብ ቃንዛ ሲኦል ከም ዝብርትዕ ስለ ዝፈለጠ። ስለ ዝዀነ ከኣ፡ እቲ ምእንቲ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ክቃለስ ዝነቐለ፡ ሓርነት መላእ ህዝቡ ንምርግጋጽ ሓንቲ ስጉምቲ ኣብ ዝሰደደላ እዋን፡ ንገዛእ ነብሱ ሓራ ገይሩዋ። ምኽንያቱ፡ ከም’ቲ “እቲ ተባዕ፡ ናጻ እዩ” ዝተባህለ ስለ ዝዀነ። ናጽነት፡ ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ክርከብን ክዕቀብን ዘለዎ፡ ግን ከኣ ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ዘይሽየጥ ወይ ዘይካረ መንፈሳዊ ንብረት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ናጽነት ከምጽእ ተበጊሱ፡ ከም ቃሉ ኸኣ ብቑጽሪ ዘይሽነን ዋጋ ሂቡ፡ ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ዘይሽየጥ ወይ ዘይካረ ናጽነት ወኒኑ። ስለ ዝዀነ፡ ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ናጽነቱ ካብ ምዕቃብ ንድሕሪት ኣይብልን። ናጽነትን መግዛእቲን፡ መንን መንን ምዃኖም ብግብሪ ስለ ዝፈልጦም።

    • Lalmba

      “ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ናጽነቱ ካብ ምዕቃብ ንድሕሪት ኣይብልን። ናጽነትን መግዛእቲን፡ መንን መንን ምዃኖም ብግብሪ ስለ ዝፈልጦም።” well said, thank you!

  • Awet

    Eternal glory to our martyrs!

  • ኣሌክ – Alec you

    Zelalemawi kibri mogosn nSiwatina✊????????????
    Awet nHafash✊????

  • ራኢ

    “የምልኾም’የ”
    ========
    የምልኾም’የ ጀጋኑ ሰብ ስረ
    ዝሓለፉ፡ ህልዋት፡ ብማዕረ
    “ልዕሊ ኣምላኽ ኩሉ ዝፈጠረ! “

    ኣብቲ ቀውጢ ሂይወት ዝመረረ
    ዕርቃን ጥምየት ሽግር ክበራረ
    ዝነኸሱ ዕረ እንዳጠዓመ
    ኩሎም ተጋደልቲ ሰብ ራኢ ሰብ ውነ

    እጹብ ድንቂ ሞየኦም ውዕለቶም
    ዝወፈዩ ዘይትካእ ሂይወቶም
    ንሃገር ንህዝቢ ኩሉ ትሕዝቶኦም

    ይተኸል ሓወልቲ ብስሞም ተግባሮም
    ይጸሓፍ መጽሓፍቲ ይተረኽ ውዕለኦም
    ክገብሮ ዳዊተይ ከዐልል ምስኦም

    ዘይደናገሩ ብሸርሒ ጸላእቲ
    ኣብ ኲናት ማኣቶት ብትብዓት ደበልቲ
    ይካኣሎ ዋርሳይ ፉቱናት ከም ወርቂ

    ጹኑዓት ሰብ መትከል ትኩራት ሙዑታት
    ክብሪ መንነተይ ዘውሓሱ ሃብሮማት
    “የምልኾም’የ ኣነ ልዕሊ ጐይታ ኣምላኽ!”

    ክብርን ሞገስን ንሰማእታት ኤርትራ!

  • GOOD NEWS:

    Good news for visitors to Eritrea!! As of 4th July, Turkish Airlines will fly directly to Asmara with no stop over in Taif.

  • B.Adal

    God Bless Our Best and Brightest Martyrs.
    Long Live PFDJ
    Long Live Eritrea.

    • Raee

      ዝነበረ ይንገር’ዩ። ይበል ሓርበኛዊ ግጥሚ ብሓርበኛ! I am touched.

  • ዝብሎ አሎኒ

    ሰላማት ደቂ ኤሬ
    መቸም ኩላትና ከምንፈልጦ ህዝቢ ኤሪትራ ንናጽነቱን ልዑላዊነቱን ዘይተኣደነ መስዋእቲ ከፊሉ ኢዩ። ይኹን ድኣ ምበር ብመስዋእቶም ክንሓዝንን ክንበክይን ዘይኮነስ እንታይ ድኣ እቲ ብሂወቶም ከሎዉ ኣብ ሂወትና ዘይሃስስ ዝኽሪ ዝገደፍዎ ንዑኡ እንዳዘከርና ነዛ ክብርቲ ረዛንን 20 ሰነ መዓልቲ ብሓበን ከነብዕላ ይላቦ።
    ሎሚ ከዕልለኩም ወሲነ ዘሎኹ ጉራማይለ ዝኾን ዕላል ኢዩ። ገሊኡ ብዛዕባ ጅግንነት ክኸውን እንከሎ ገሊኡ ድማ መስሓቅ ኮይኑ ቅሩብ ካአ ሰውራዊ ጠባያት ውጽእ ዝበለ ኾይኑ ዋላሓንቲ ንኽብሪ ስውኣትና ዘይትንክፍ ኢዩ።
    1ይ ስዉእ ወዲ ያቆብ ዕለተ መስዋእቲ 06/1980 ቦታ ሳሕል። ስዉእ ወዲ ያቆብ አብ ከረን ገዛ ወረቐት ዝተባህለ ተወሊዱ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ንሰውራ ድሕር ምጽምባሩ ከም ሓኪም ሓይሊ ኮይኑ ይጋደል ኔሩ። አነ አብ መወዳእታ 1977 ወታሃደራዊ ታዕሊም ወዲኤ ንወጃባ ከባቢ ናቕፋ ምስ ተመደብኩ ስዉእ ወዲ ያቆብ ኣብ ወጃባ ምስ ጸንሓና ኩሉ ዘድሊ ሕክምናዊ መርመራ ምስ ገበረልና ድራር ስለ ዝኣኸለ መጋባይ በብሾሞንተ ማኣዲ ምስ ቀረበና ርእይ እንተበልካስ ወዮ ድራር ጋዓት ቦጅቦጅ። አነ ንጸባ እትረፍ’ዶ ክሰትዮስ ክርእዮ እንከሎኹ ኢዬ ዘምልሰኒ ኔሩ። ወዮ ዝተመደብኩዋ ጋንታ ኩነታተይ ገሪምዋ ንወዲ ያቆብ ሪፖርት ትገብር። ወዲ ያቆብ ንቑጽ ቅጫ ምስ ማይ ጌሩ ይህበኒ ንሳ ተደሪረ ይሓድር። አብ ካልኣይቲ መዓልቲ ስዉእ ወዲ ያቆብ ንዓይ ካብ ጋንታይ ተሽኪል (ኣጋ ምሸት ድፋዕ ምውጻእ) ካብ ምውጻእ የትርፈኒ እሞ ጽልምት ምስ በለ ንቑጽ ቅጫ ምስ ጸባ ግመል ይህበኒ። ወጃባ ብጊዜ ክረምቲ ነዛ ንዓይንኻ ዘንቁረካ ስለዘይትርኢ ነቲ ሒዝዎ ዝመጽኤ ጸባ ግመል ፈጺመ ሕብሩ ክርእዮ አይከኣልኩን። ምስቲ ንቑጽ ቅጫ እንዳቋሰኹ ሓመድ አስሒነዮ። ንጽባሒቱ ንግሆ ስዉእ ወዲ ያቆብ ጸዊዑ ጸባ ግመል ከምዘስተየኒ ነጊሩኒ። ኩሉ ጊዜ ጸባ ክርኢ እንከሎኹ ስዉእ ወዲ ያቆብ ይራኣየኒ እሞ መታን ሰባት ዓቢዱ ኢዩ ከይብሉኒ ተሓቢኤ ብሓሳብ ምስ ወዲ ያቆብ ይሕኪ።
    2ይ ስዉእ ዓብዱላይ ያሲን ወሃብ ዕለተ መስዋእቲ 1980 ቦታ መስዋእቲ ገዛ ዘርኡ ገምሃሎ። ወዲ ያሲን ዓርከይ ንሜዳ ከይወጽኣና ንፋለጥ ኔርና። መፋለጢና ድማ ግሩፖ ናይ በዓል ወዲ ያሲን ካብ ገዛውቶም ሞዴሽቶ አስመራ ተበጊሶም ንገዛውትና ውራ ይብሉና እሞ ናተይ ግሩፕ ንወዲ ያሲን
    ንማርኾ። ንወዲ ያሲን ምስ ማረኽናዮ ፈቲዩ ክሳብ ዝጸልእ አብ ውሽጢ ማይ በላ ንቕጥቅጦ። ካብኡ አነ ብ1977 ንሜዳ ተሰሊፈ ታዕሊም ወዲኤ ንዓራግ ሳሕል ይምደብ። ናይ አጋጣሚ ነገር ስዉእ ወዲ ያሲን ቅድመይ ተሰሊፉ አብ ዓራግ ይጸንሓኒ እሞ እቲ ናይ ቁልዕነትና ውራ ውራ ካብ ጽልኢ ሓሊፉ ናብ ብጻይነት ካብ ብጻይነት ውን ዳርጋ ናብ ሕውነት ቀይርናዮ ኔርና። ዋላ ሓይልና ከይተረፈት የሕዋት ይመስላ ኔሩ። ተዘክሮይ ብዛዕባ ወዲ ያሲን ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። አብ ዓራግ ምስ ተራኽብና አብኡ ክንጉብዝ ከምዝመደቡና በዓል ወዲ ያሲን ይነግሩኒ። ሕጊ ሰውራ ስለዝኾነ ዝሃበና ተቐቢልና ነቲ ዝተዋሃበና ዕማማት ብግቡእ ነሰላስሎ ኔርና። ወዲ ያሲን ንናይ ዑስማን ዓብደልረሒም ደርፊደቂሰ ኔሬ ተባራቢረ ናብ ሳሆ ቀይሩ( ኪተ ሚተ ዲባራኪተ)እንዳበለ ይደርፈልና ኔሩ። ወዲ ያሲን ዓርከይ ካብታ ዝተሰዋኣላ ማዓልቲ ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ አብ መዓልቲ እንተዋሓደ ክሳብ ሰለስተ ጊዜ ብሓሳበይ ይራኣዬኒ።
    3ይ ስውእቲ ጓል ብርሃነ፤ ዕለተ መስዋእቲ 05-January-1980 ቦታ መስዋእቲ ምሕላብ ( ጓል ተከል) ጎቦ ተከልን ጓል ተከልን አብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ኮይኑ ብሸነኽ ወገን ክትኣትዎ እንኮሎኻ ብሸነኽ የማን ሩባ ማራት፤ጎቦ ሸመር አድግ (ብደቂ ዓዲ አጸዋውዓ ድማ እይትሰመ) ንመዘኻኸሪ
    ጎቦ ሸመር አድግ ስዉእ ጀሚል ምስ ስዉእ ሞኬ ቅያ ዝሰርሑሉ ቦታ ኢዪ፤ብሸነኽ ጸጋም ድማ ሩባ ማይ ጨውን፤ድፋዕ ናይ በዓል ብርጋዴር ጀነራል ዳንኤል ወረደ ይርከብ።
    ምስ ስውእቲ ጓል ብርሃነ አብ አስመራ አብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ንመላለስ ኔርና። አነ እኳ ናብ ቤተ ክርስትያን ምምልላስ ተገዲደ እምበር ናይ ሃይማኖት ሰብ አይነበርኩን። ምስ ጓል ብርሃነ ብሓንሳብ ታዕሊም ወዲእና ብሓንስብ ድማ ንሳሕል ተመዲብና። ብዕለት 5 ወርሒ ጥሪ 1980 ንናይ ኤትዮጵያ 505 ግብር ሃይል ካብ ከባቢ ጎቦ አቡ ዓረብ፤ጎቦ ተከል፤ዒላ ጻዕዳን ጸራሪግና ንአውገት ምስ አህተፍናዮ ጓል ብርሃነ አብ ቀዳማይ ድፋዕ ናይ ጸላኢኣብ ትሕቲ ጎቦ ተከል ዝነበረ ምስ አጥቃዕናዮ ጓል ብርሃነን፤መኮነን ፍስሃ ይስውኡ። ብጻይ ህንጻ ድማ ሰንኪሉ። ጓል ብርሃነ ድሮ እቲ መጥቃዕቲ ወርሓዊ ጽግያታ ብጣዕሚ አሸጊርዋ ስለዝነበረ መራሒ ሓይልና ንዓይን ንጓል ብርሃነ ጸዊዑ ከምትተርፍ ግበራ ምስ በለኒ ክነግረኩም አይክእልን ብኻራ ክትዝልዝለኒ ደልያ። ካብኡ መራሒ ሓይልና ኩነታታ ምስ ረኣዬ ተበገሲ ኢሉዋ። ኣጋ ወጋሕታ ድማ ምእንቲ ኤርትራ ተበጂዋ።
    4ይ ስዉእ ወዲ ናቕፋ፤ ዕለተ መስዋእቲ 1979 ቦታ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል። ወዲ ናቕፋ ኣርዋሓቼ ኢሉ ይጽዋዓኒ ኔሩ። ኣርዋሓቼ ብቋንቋ ትግረ ኮይኑ ትንፋሰይ ወይ ድማ ሩሐይ ማለት ኢዩ። አነን ወዲ ናቕፋን እንድሕር ተራኺብና ቦጦሎኒ ብምልእታ አናዊጽናያ ንውዕል ኔርና። ወዲ ናቕፋ ሓደ ጊዜ ምስ ሓንቲ ብጸይትና ብሳጓኣ ቁራጽ ጀሪካን ትፍለጥ ዝነበረት ዝምድና ይምስርት። ኮይኑ ግን ነቲ ዝምድነኦም ከየማእኸልዎ እንከለዉ ውድብ ብዘይፍቅዶ መንገዲ ክራኽርቡ ይፍትኑ። እቲ ጾታዊ ርክብ ክፍጽምሉ ዝወሰኑ ቦታ ድማ አብ እንዳ መጋቦ ኔሩ። ጓይላ ሂር ክንብል ሓዲርና ከምኡ’ውን ስዋ ድሙ ድሙ ክሳብ ዓንቀርና ምስ ሰተና አነ ብወገነይ ድኻም ተሰሚዑኒ ካብ እንዳ መጋቦ ክሻ ለሚነ ቀም ከብል ምስ ጀመርኩ ድምጺ ናይ ወዲ ናቕፋንን፤ናይ ቁራጽ ጀሪካን ይሰምዕ እሞ ትንፋሰይ ሓቢኤ ክጻናጸን ምስ ጀመርኩ፤ ክሊቲኦም ክሻ አንጺፎም እግሮም ናብ ሸነኽ ርእሰይ ጌሮም እቲ ጾታዊ ርክብ ምስ ጀመርዎ አነ ካብቲ አብ ልዕለይ ዝነበረ ገረብ ዓዳይ ንወዲ ናቕፋ አብ ሕቖኡ ይወግኦ። ወዲ ናቕፋ ተመን ዝነኸሶ መሲሉዎ እቲ ዝሓሰብዎ ከይሰመረሎም ስሪኡ መሊሱ እንዳ ጎየየ ንሕክምናና ከይዱ። አነ ቀዲመዮ ኣብ ሕክምና ይጸንሖ። ብትግረ ጌረ ምጋእካ መለሀይ ይብሎ። ንሱ ድማ ኣርዌ ነክስኒ ይብለኒ(እንታይ ኮይንካ ምስ በልኩዎ ተመን ነኺሱኒ ይብለኒ። ተመን ከም ዝይነኽሶ ስለዝፈለጥኩ ብሳሓቕ ትዋሕ ይብል። ወዲ ናቕፋ ይብለኒ፤ኣርዋሓቼ ኣና ማይት ህሌኩ ወኢንታ ትስሕቕ ህልካ ይብለኒ። ካብኡ Vit B12 ይወግኦ። ንሕልንኡ ተመን ከምዝተነኽሰ ጌሩ ስለዝእመና ኩሉ ናይ ተመን ዝተነኽሰ ሰብ ዘርኢዮ ስሚዕታትን ምልክታትን የርኢ ኔሩ። ንጽባሒቱ ንግሆ ተሲኤ ምስ ሓንቲ ውግእቲ ብጸይትና ንወዲ ናቕፋ ኣብ ናይ ሕክምናና ዓንዲ ኣሲርና ኩሉ እቲ ብውድብና ዘይፍቀድ ዘይሕጋዊ ርክብ ስጋ ነኸይትፍጽሞ ኢለ ብዕንጸይቲ ዓዳይ ወጊኤካ ኢለ ምስ ነገርክዎ ክጥሕረኒ ደልዩ ደሓር ግን ኩሉ እቲ ተዋስኦ አስሒቕዎ። ነዚ ኹሉ ምስጢር ዓቂብና እንዳተጓዓዝና እንኮለና ወዲ ናቕፋ ይውጋእ። እንዳ ደኸመ ምስ ከደ ንመራሒ ሓይሊ ጸዊዑ ንኣርዋሓቼ ይቕረ በለለይ ኪብሎ ስለዝደለኹ ብህጹጽ ትጽውዑለይ ምስ በሎም ንዓይን ንቁራጽ ጀሪካን ይጽውዕና። አብ ልዕሊ ቃሬዛ ወዲ ናቕፋ ፈዚዝና እንከሎና፤ ወዲ ናቕፋ ትንፋሱ ትልኽ እንዳበለት እንኮላ፤ በታ ዘይሕጋዊ ጾታዊ ርክብ ዝፈተና ንነብሱ ይነቅፍ ካብኡ ንናይ መጻኢ መጻምድቱ ማለተይ ብጸይቲ ቁራጽ ጀርካን መጨረሽታንዓይ ይነቕፈና። ንመራሒ ሓይሊ ንሕና ንኸይንቕጻዕ ብደም ስዉኣት ኣምሒሉ ብጅግንነት ሓሊፉ። ብፍላይ እዛ ወዲ ናቕፋ ዝገበራ ነቐፌራ ርእሰ ነቐፍርታ አብ ሂወተይ ዓባይ ትምህርቲ ኮይናትኒ። ስለዚ ደቂ ኤሬ ነቐፌታ ርእሰ ነቐፌታ ንላማመዳ።

  • gemelley

    GOD Bless Eritea!!!